ዘዳግም 16

1 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ ሐሉ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል።

2 ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ።

3 ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዔ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበዅዔ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ።

4 ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርኤ። በታ መጀመርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሐረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።

5 ኣብ ዝዀነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ፡ ፋስጋ ኽትሐርድ ኣይትኽእልን።

6 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ፡ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካላ ጊዜ፡ ጸሓይ ክትዐርብ ከላ፡ ፋስጋ ሕረድ።

7 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮ። ንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ።

8 ሹድሽተ መዓልቲ ዘይበዅዔ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዪ በዓል ኣኼባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ።

9 ሾብዓተ ሰሙን ቊጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ ሾብዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር።

10 ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት ከኣ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል።

11 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ።

12 ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሐልዎን ግበሮን።

13 ፍርያት ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ በዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል።

14 ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ። ዘለዉ ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ተሐጐስ።

15 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጉስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መዓልቲ በዓል ኣብዕል።

16 ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡ በብዓል ቅጫን በብዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ።

17 ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ።

18 ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሀበካ ዅለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበሮ። ንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።

19 ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል።