ዘዳግም 3

1 ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ፡ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኲሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኺዋግኣና ኢሉ ኺቃባበለና ወጸ።

2 እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ።

3 ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሀበና፡ ሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ።

4 በታ ጊዜ እቲኣ ዂላ ምድሪ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማ፡ ኲለን ከተማታቱ ሐዝና፡ ካባታቶም ዘይሐዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን።

5 ኲለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዐርዳ ብዙሓት ከተማታት፡ ብነዊሕ መካበብያ እተዐርዳ፡ ብመዓጹን ብመሸጐርን ዝጸንዓ እየን።

6 ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። ንዂለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።

7 ኲለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ።

8 እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ።

9 ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ፡ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ።

10 ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዂለን ከተማታትን ኲላ ጊልኣድን ኲላ ባሳንን ክሳዕ ሳልካን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን።

11 ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ፡ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኰነን፧ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ።

12 በታ ጊዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ኣብ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሀብክዎም።

13 ተረፍ ጊልኣድን ኲላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሀብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ኲላ ባሳን፡ ሃገር ረፋውያን ትበሀል።

14 ያኢር ወዲ ምናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ዅላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን፡ ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚስመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎት-ያኢር ኣውጽኣለን።

15 ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሀብክዎ።

16 ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸኣ ዶብ ደቂ ዓሞን፡

17 ድማ ጐልጐልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪነረት ክሳዕ ናይ ጐልጐል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ብምብራቑ ሀብክዎም።

18 በታ ጊዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዘዝኩኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ኣብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ።

19 ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኩም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሀብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።

20 እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኻትኩም ክሳዕ ዜዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚርስተይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሀብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ።

21 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንእያሱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ፡ ኣዒንትኻ ርእየን፡ ነተን ናብኤን እትሐልፍ ዘሎኻ ዂለን መንግስትታት ከኣ እግዚኣብሄር ከምኡ ኺገብር እዩ፡

22 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ።

23 በታ ጊዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ፡

24 ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ኪገብር ዚኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧

25 ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ንሊባኖስን፡ ክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ።

26 እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡

27 ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደይብ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸኣ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት።

28 እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኪሐልፍ፡ ንሱ ኸኣ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኼረስትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞ፡ ኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን።

29 ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና።