ዘዳግም 17

1 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ ጐደሎ ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ኣይትሰውኣዮ።

2 ኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ደጌታትካ ኺዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዚገብር እንተ ተረኽበ፡

3 ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡

4 እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡

5 ሽዑ ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኺሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም።

6 እቲ ዚመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት።

7 ንምቕታሉ ቅድም ኢድ እቶም ምስክር፡ ደሐር ከኣ ኢድ ኵሉ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።

8 ኣብ ደጌታትካ ብናይ ባእሲ ነገር፡ ኣብ መንጎ ደም ንደም፡ ኣብ መንጎ ባእሲ ንባእሲ፡ ኣብ መንጎ ቚስሊ ንቚስሊ፡ ንምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሲእካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ደይብ፡

9 ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይነግሩኻ።

10 ከምቲ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝሐረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሀሩካ ኵሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ።

11 ከምቲ ዝመሀሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይትዝበል።

12 ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼገልግል ደው ዚብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዚኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።

13 ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ፡ መሊሱውን ኣይዕበን።

14 ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡

15 ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚሐርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ።

16 ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ: ኣፍራስ ምእንቲ ኬብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ።

17 ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ።

18 ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ።

19-20 ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።