ዘዳግም 25

1 ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ዀነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸኣ ይፍረድዎ።

2 ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቚጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ።

3 ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቚጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሐስር ካብኡ ኣይብዛሕ።

4 ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።

5 ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተአቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ።

6 ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ።

7 እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም።

8 ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ።

9 እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓዉ ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ።

10 ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ፡ ይበሀል።

11 ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም እንተ ተባእሱ፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዚወቕዖ ኸተድሕኖ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሐዘት፡

12 ኢዳ ቚረጻ፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየላ።

13 ኣብ ከረጺትካ በበይኑ ሚዛን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።

14 ኣብ ቤትካ በበይኑ መስፈሪ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።

15 ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜካ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሀሉኻ፡ ድልድልን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሀሉኻ።

16 እዚ ዚገብር ኵሉን ዓመጻ ዚገብር ኵሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

17 እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገበረካ ዘክሮ።

18 ንስኻ ደኺምካን ተሐሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጓነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸኣ፡ ነቶም ዳሕሮትካ፡ ንዅሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዔ።

19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ይምለሶ፡ ኣይትረስዓዮ።