ዘዳግም 26

1 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡

2 ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኺድ።

3 ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን አቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኺሀበና፡ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ኸም ዝአቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኤፍልጥ ኣሎኹ፡ ትብሎ።

4 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ።

5 ንስኻ ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣረማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ከኣ ወረደ፡ ቊጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸኣ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ።

6 ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና።

7 ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዔ። ምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረአየ።

8 እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና።

9 ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ሀበና።

10 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሀብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ ኣሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ አንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ።

11 በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝሀበካ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዚነብር ስደተኛን ከኣ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።

12 በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኵሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ኪጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀቦም።

13 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በል፡ ነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤ፡ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ዅሉ ትእዛዝካ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሀብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን።

14 ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ዘይንጹህ ከሎኹ ኸኣ ካብኡ ኣየውጻእኩን፡ ንገለ ምዉትውን ካብኡ ኣይሀብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ሰማዕኩ፡ ብዅሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝአዘዝካኒ ገበርኩ።

15 ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሐልካሎም፡ ንኣና ዝሀብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ባርኽ።

16 በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ እሞ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ሐልዎን ግበሮን።

17 እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ።

18-19 ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ኪገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።