ዘዳግም 10

1 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር።

2 እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ።

3 ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣ ታቦት ገበርኩ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩ፡ ንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ከረን ደየብኩ።

4 እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሓፈን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒ።

5 ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦታ ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።

6 ደቂ እስራኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮት-ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ። ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።

7 ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳውን ንዮጥባታ፡ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡ ተጓዕዙ።

8 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኪጸውር፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ።

9 ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦ፡ ርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ።

10 ኣነ ድማ ኣብቲ ኸረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቈምኩ። በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ኬጥፍኣካ ኣይፈተወን።

11 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ታቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኺኣትዉን ኪወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዐዝ፡ በለኒ።

12-13 ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

14 እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናቱ እዩ።

15 ድላዩ ነቦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ካብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ሐረየኩም።

16 እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ፡ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ።

17 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

18 ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፡ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ።

19 ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተዉ።

20 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንእኡ ኣምልኽ፡ ናብኡ ኸኣ ተጸጋዕ፡ ብስሙውን ምሐል።

21 ንሱ ውዳሴኻ እዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዜፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ።

22 ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ።