ዘዳግም 29

1 እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ሆሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝአተዎ ኺዳን ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከኣ ንሙሴ ምሳታቶም ኪአቱ ዝአዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።

2-3 ሙሴ ድማ ንብዘለዉ እስራኤል ጸውዔ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንዅሎም ገላውኡን ንዅላ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርትታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከኣ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።

4 ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ልቢ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ኣይሀበኩምን።

5 ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ መራሕኩኹም፡ ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ሳእኒ ድማ ኣብ ኣእጋርካ ኣይበለየን፡

6 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡስ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን ወይንን ብርቱዕ መስተን ከኣ ኣይሰቴኹምን።

7 ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መጻእኩም ከኣ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ዖግ ንጉስ ባሳንን ኪዋግኡና ኢሎም ኪቃባበሉና ወጹ፡ ንሕና ድማ ሰዐርናዮም።

8 ሃገሮም ከኣ ሐዝና፡ ንሮቤልን ንጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከኣ ርስቲ ሀብናዮም።

9 እምበኣር እትገብርዎ ዅሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩምሲ፡ ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ሐልውዎን ግበርዎን።

10-13 ከምቲ ዝበለካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያቆብን፡ ድማ ዝመሐለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቘሞ ማሕላኡን ክትአቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ኬቚመካ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽካ ኪኸውን፡ ሎሚ ኵሉኹም፡ ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መኳንንትኹምን፡ ኵሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቈልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዚነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትኻ ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣሎኹም።

14-15 እዚ ኺዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቘይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለዉን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኰንኩን ዘቚሞ ዘሎኹ።

16 ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዝነበርናን በቶም ብማእከሎም ዝሐለፍኩም ህዝብታት ድማ ከም ዝሐለፍናን፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

17 እቲ ጽያፎምን እቲ ኣባታቶም ዝነበረ ናይ ዕጨይትን እምንን ብሩርን ወርቅን ጣኦታቶምን ርኤኹም።

18 እምበኣርሲ ሰብኣይ ኰነ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ዓሌት ወይ ነገድ፡ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚመልስ እሞ ከይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዜምልኽ ከይህልወኩም፡ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዜብቊል ሱር ከኣ ከይርከበኩም፡

19 ከይኸውን ድማ፡ ቃላት እዚ መርገም እዚ ሰሚዑስ፡ ብልቡ ነታ ነፍሱ ኸምዚ ኢሉ ዚባርኻ፡ ኣነስ፡ ብትሪ ልበይ እንተ ኸድኩ፡ ንጽምኣተይ ድማ ስኽራን እንተ ወሰኽኩሉ፡ ሰላም ይዀነለይ።

20 እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን፡ ሽዑ ግና ዅራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቲ ይተክኽ፡ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ኪድምስሶ እዩ።

21 እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ክፉእ ኪፈልዮ እዩ።

22 ዳሕራይ ወለዶ፡ ብድሕሬኹም ዚትንስኡ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጓናን ከኣ ናይ እዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምጽኣላ ሕማምን ምስ ዚርእዩ፡ ኪብሉ እዮም፡

23 ከምቲ እግዚኣብሄር ኰርዩን ነዲዱን ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንጽቦይምን ዝገምጠለን ምግምጣል፡ እታ ምድሪ ዅላ ከይትዝራእን ከይተርፍን ገለ ሳዕሪ ኸይተብቍልን፡ ዲንን ጨውን ንዳድን ኰነት።

24 ኵሎም ህዝብታት ድማ ኪብሉ እዮም፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ስለምንታይከ እዚ ዓብዪ ዅራኡ ነደደ፧

25 ይብሉ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደጉ፡

26 ከይዶም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንዘይፈልጥዎምን ንዘይተዋህቡዎምን ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ።

27 ስለዚ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኬምጽኣላ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ነደደ።

28 እወ፡ እግዚኣብሄርሲ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቚጥዓን ካብ ሃገሮም ምሕው ኣቢሉ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።

29 እቲ ስዉር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር፡ እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።