ሚልክያስ 2

1 ኣቱም ካህናት ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ።

2 ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፣ ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፣ መርገም ክሰደልኩም፣ ንበረኽትኹምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፣ኤረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

3 እንሆ፣ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፣ ኣብ ገጽኩም ዒባ፣ ነቲ ዒባ በዓላትኩም፣ ክብትነልኩም እየ፣ ምስኡውን ኬውጽኡኹም እዮም።

4 ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ኪኸውንሲ፣ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

5 ቃል ኪዳነይ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፣ እዚ ኺፈርህ ኢለ ሀብክዎ፣ ንሱ ኸኣ ፈርሃኒ፣ ኣብ ቅድሚ ስመይውን ኣንቀጥቀጠ።

6-7 ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፣ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልዋ፣ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዩ እሞ፣ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፣ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ በደል ኣይትረኽበን፣ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ አበሳ መለሰ።

8 ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም፣ ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍኩም፣ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

9 ስለዚ ኣነውን፣ ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሐሎኹም፣ ብሕጊ ኸኣ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፣ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን ሕሱራትን ገበርኩኹም።

10 ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና∶ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና∶ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም∶

11 ይሁዳ ነቲ ዘፍቅሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎ፣ ጓል ጓና ኣምላኽ ከኣ ተመርዕዩ እዩ እሞ፣ ይሁዳ ጠለመ፣ ኣብ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ።

12 እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዚገብር ሰብ፣ ነቲ ዚነቅሕን ምላሽ ዚህብን፣ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዜቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኬጥፍኦም እዩ።

13 ካልእ ድማ እዚ ገበርኩም፣ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንኩምዎ እሞ፣ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቶን፣ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን።

14 ስለምንታይ እዩ∶ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ።

15 ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ∶ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ∶ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ።እምብኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም።

16 ምፍታሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ ኣሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

17 ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድከምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ∶ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፣ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፣ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ ኣሎ∶ ብምባልኩም እዩ።