ሚልክያስ 4

1 እንሆ፣ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፣ ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ኪዀኑ እዮም፣ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም፣ ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሐደገት፣ ሞዅ ከተብሎም እያ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

2 ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም።

3 በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሓመዅስቲ ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

4 ነቲ ኣብ ሆሬብ ንዅሎም እስራኤል ኪኸውን ኢለ ንሙሴ ባርያይ ዝአዘዝክዎ ሕጊ፣ ስርዓትን ፍርድን፣ ዘክርዎ።

5 እንሆ፣ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ።

6 ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዘጽንት መርገም ከይወቕዓስ፣ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፣ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።