1ይ ዜና መዋዕል 12

1 ዳዊት ገና ኻብ ገጽ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሐቢኡ ኸሎ፡ እቶም ናብኡ ኣብ ጺቅላግ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውግእ ዝሐገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ።

2 ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዚኽእሉ፡ ብቐስቲውን ፍላጻ ዚውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያማውያን እዮም ዝነበሩ።

3 ኣሒዔዘር እቲ ርእሰን ዮኣስን፡ ደቂ ሽማዓ እቲ ጊብዖናዊ፡ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ኣዝማዌት፡ ብራካን የሁ እቲ ዓናቶታውን።

4 ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ ድማ ሓደ ጅግና ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ፡ ሐለቓ እቶም ሰልሳ፡ ኤርምያስን ያሓዚኤልን ዮሓናንን ዮዛባድ እቲ ገደራታውን።

5 ኤልዑዛይን የሪሞትን በዓልያን ሸማርያን ሸፋጥያ እቲ ሓሩፋውን፡

6 እቶም ቈረሓውያን፡ ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾብዓምን፡

7 ዮዔላን ዘባድያን፡ ደቂ ይሮሓም ካብ ግዶር።

8 ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማት፡ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባት፡ ገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡

9 ዔዘር እቲ ርእሲ፡ እቲ ኻልኣይ ዖባድያ፡ እቲ ሳልሳይ ኤሊያብ፡

10 እቲ ራብዓይ ሚሽማና፡ እቲ ሓምሳይ ኤርምያስ፡

11 እቲ ሳድሳይ ዓታይ፡ እቲ ሳብዓይ ኤሊኤል፡

12 እቲ ሳምናይ ዮሓናን፡ እቲ ታስዓይ ኤልዛባድ፡

13 እቲ ዓስራይ ኤርምያስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓድ ማክባናይ።

14 እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ሓላቑ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፡ ሓደ ኻባቶቶም እቲ ንኡስ ክንዲ ሚእቲ፡ እቲ ዓብዪ ኸኣ ክንዲ ሽሕ ያኣክል ነበረ።

15 እቶም በታ መጀመርያ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገምገም ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ ኸላ እተሳገሩ፡ ነቶም ኣብ ለሴታት ዚነብሩ ዂሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጒዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።

16 ካብ ደቂ ብንያም ይሁዳን ከኣ ናብ ዳዊት፡ ናብቲ እምባ መጹ።

17 ዳዊት ድማ ኪቕበሎም ወጸ፡ ከምዚ ተዛሪቡ ኸኣ መለሰሎም፡ ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ ዄንኩም ዝመጻእኩምኒ፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ዓመጽ ዜልቦ ኽነሱስ፡ ኣብ ጸላእተይ ከተትሕዙኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይቕጽዓዮ።

18 ሽዑ ኣማሳይ ኣውራ እቶም ሰላሳ፡ መንፋስ ለበሰ እሞ፡ ኣታ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፡ ኣታ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽ ሐጊዙካ እዩ እሞ፡ ሰላም ንኣኻ፡ ሰላም፡ ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን፡ በለ። ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፡ ሓላቑ ጭፍራ ድማ ገበሮም።

19 ገለ ኻብ ምናሴውን ናብ ዳዊት ሐለፉ፡ እዚ ኸኣ ንሱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑስ፡ ንሳኦል ኪወግእ ወጺኡ ኸሎ እዩ ዝዀነ፡ ግናኸ እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ከየብል፡ ኢሎም ብምኽሪ ሰደድዎ እሞ፡ ኣይሐገዝዎምን።

20 ናብ ጺቅላግ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝሐለፉ፡ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ናይ ምናሴ ሓላቑ ሽሕ።

21 ንሳቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ሓላቑ ዝዀኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ኣንጻር እቲ ጭፍራ ዘመትቲ ሐገዝዎ።

22 ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ እሞ፡ ከም ሰራዊት ኣምላኽ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ዀነ።

23 እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብኡ ምእንቲ ኼምልስዋ፡ ናብ ዳዊት ናብ ሔብሮን ዝመጹ፡ ንውግእ እተሰለፉ ተዋጋእቲ፡ ቊጽሮም እዚ እዩ፡

24 ደቂ ይሁዳ፡ ዋልታን ኲናትን ዝጾሩ፡ ንውግእ እተሰለፉ ሹድሽተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን።

25 ካብ ደቂ ስምኦን፡ ንውግእ ሓያላት ጀጋኑ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን።

26 ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን።

27 የሆይዳ፡ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን።

28 ጻዶቅ ድማ ጐበዝ፡ ሓያል ጀግና፡ ምስኡ ኸኣ ዕስራን ክልተን ሓላቑ ኻብ ቤት ኣቦኡ።

29 ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን እዝስ ዚበዝሑ ኻባታቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ጸኒዖም ነበሩ።

30 ካብ ደቂ ኤፈሬም ከኣ ዕስራ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት ሰባት።

31 ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ፡ ንዳዊት ኬንግሱ ኺመጹ በብስሞም እተሰምዩ።

32 ካብ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ እስራኤል እንታይ ኪገብር ከም ዚግብኦ ኺፈልጡ፡ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፡ ክልተ ሚእቲ ዋናታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ድማ ኲሎም ኣሕዋቶም ምሳታቶም።

33 ካብ ዛብሎን ብዂሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፈ፡ ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ፈለጥቲ ስርዓት ውግእ፡ ልቦም ዘይምቑል፡ ሰብ ስርዓት፡ ሓምሳ ሽሕ።

34 ካብ ንፍታሌም ከኣ ሽሕ ሓላቑ፡ ምሳታቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ።

35 ካብቶም ሰብ ዳን ከኣ ንውግእ እተሰለፉ፡ ዕስራን ሾሞንተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን።

36 ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዚወጹ፡ ኣርብዓ ሽሕ።

37 ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ብዂሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፉ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ።

38 እዚኣቶም ኲሎም ንውግእ እተዳለው ተዋጋእቲ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኬንግዎ፡ብፍጹም ልቢ ናብ ሔብሮን መጹ። ብዘሎ እቲ ዝተረፈ እስራኤል ከኣ ዳዊት ንምንጋስ ሓደ ልቢ ነበረ።

39 ኣሕዋቶም ኣሳናድዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ።

40 ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኰይኑ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፡ ክሳዕ ኣብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፡ እንጌራን ሓርጭን ጐጎ በለስን ጐጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ሰባሕትን ጤል በጊዕን ኣምጽኡሎም።