1ይ ተሰሎንቄ 5

1-2 ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።

3 ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።

4-5 ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።

6 ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።

7 እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።

8 ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ።

9 ኣምላኽ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።

10 ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ።

11 ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።

12 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም አሎና።

13 ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።

14 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና።

15 እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።

16 ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ።

17 ከየባተኽኩም ጸልዩ።

18 እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።

19 መንፈስ ኣይተጥፍኡ።

20 ትንቢት ኣይትንዓቑ።

21 ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።

22 ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ።

23 ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ።

24 እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ።

25 ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።

26 ንዅላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም።

27 ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኵሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም አሎኹ።

28 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።