ዳንኤል 7

1 ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፣ ዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፣ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፣ ርእሰ ነገሩውን ኣዘንተዎ።

2 ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበ፣ ለይቲ ብራእየይ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ።

3 ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።

4 እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰብውን ተዋህቦ።

5 እንሆ ድማ፣ ካልኣይ፣ ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤ፣ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎ።

6 ድሕርዚ እንሆ፣ ካልእ ኣራዊት፣ ኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ።

7 ድሕርዚ ብራእያት ለይቲ፣ እንሆ፣ መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።

8 ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱ። እንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ።

9 ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።

10 ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ፣ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።

11 ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦ፣ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፣ ስጋኡ ጠፍኤ፣ ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ።

12 ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም።

13 ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።

14 ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።

15 ኣነ ዳንኤል፣ መንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ።

16 ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፣ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸኣ ርግጹ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፣ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ።

17 እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።

18 እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፣ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፣ ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም።

19-20 ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፣ ኣስናኑ ሓጺን፣ ኣጽፋሩ ኸኣ ኣስራዚ ዝዀነ፣ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰረት ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፣ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፣ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፣ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ፣ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፣ ርግጹ ኺፈልጥ ደሌኹ።

21-22 እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፣ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ክሳዕ ዚወሀብ፣ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእ፣ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ።

23 ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፣ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፣ ካብ ኵለን መንግስታት በይና ዝኰነት ዓይነታ፣ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፣ ንዅላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን እያ።

24 እቶም ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፣ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ፣ ንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶም እዩ።

25 ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ፣ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፣ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።

26 ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፣ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፣ ግዝእቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ።

27 እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፣ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዎን ኪእዘዝዎን እዮም።

28 ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ፣ ገጸይ ተለወጠኒ፣ ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።