ኤርምያስ 32

1 እቲ ኣብ መበል ዓስረይቲ ዓመት ግዝኣቱ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነቡካድነጻር ከኣ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ግዝኣቱ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጾ ቓል እዚ እዩ።

2 ሽዑ ድማ ጭፍራ ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፡ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣብቲ ወገፊኡ ተኣሲሩ ነበረ።

3 ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኣሲርዎ ነበረ፡ ስለምንታይ ተነቤኻን በልካን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣነ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ፡

4 ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ድማ ርግጽ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኪወሀብ እዩ፡ ኣፍ ንኣፍ ኪዛረቦ እዩ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዓይኑ ኺርእያ እየን እምበር፡ ካብ ኢድ ከለዳውያን ኣይኬምልጥን እዩ።

5 ንጼድቅያስ ድማ ናብ ባቢሎን ኪማርኾ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ፡ ምስ ከለዳውያን እንተ ተዋጋእኩም ኣይኪቐንዐኩምን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

6 ኤርምያስ ከኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ በለ፡

7 እንሆ፡ ሃናምኤል ወዲ ሻሉም ሓዉ ኣቦኻ፡ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ፡ መሰል ምብጃው አሎካ እሞ፡ ተሻየጣ፡ ኪብለካ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።

8 ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ድማ ከም ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ መጺኡ ነታ ኣብ ኣናኖት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ኰታ ተሻየጣ፡ መሰል ርስቲ ኣሎካ፡ ምብጃው ድማ ግቡእካ እዩ እሞ፡ ንኣኻ ተሻየጣ፡ በለኒ። ሽዑ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ምዃኑ ኣስተውዐልኩ።

9 ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከኣ ካብ ሃናምኤል ወዲ ሓዉ ኣቦይ ተሻየጥክዋ እሞ ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር መዘንኩሉ።

10 ኣብ መጽሓፍ ጽሒፈ ኸኣ ሐተምክዎ፡ ምስክር ጸዊዔ ድማ ነቲ ገንዘብ ብሚዛን መዘንኩሉ።

11 ነታ መጽሓፍ መሸጣ፡ ነታ ኸም ሕግን ውዑልን ኰይና እተሐትመትን ነታ እተቐልዔትን ወሲደ፡

12 እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ፡ ወዲ ኔርያ ወዲ ማህስያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መጽሓፍ መሸጣ እተጻሕፉ ምስክርን ኣብ ቅድሚ ዂሎም እቶም ኣብ ወገፈ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን ሀብክዎ።

13-15 እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ኪሻየጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እዘን ጽሑፋት እዚኤን፡ እታ ሕትምቲ መጽሓፍ መሸጣን እታ ቕልዕቲ መጽሓፍን ወሲድካ፡ ብዙሕ መዓልትታት ምእንቲ ኺዕቈርሲ ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣንብሮ:ይብል ኣሎ፡ ኢለ ንባሩኽ ኣብ ቅድሚኦም አዘዝክዎ።

16 እታ መጽሓፍ መሸጣ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ምስ ሀብክዎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ለመንኩ፡

17 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን።

18 ነእላፋት ምሕረት እትገብር፡ ኣበሳ ኣቦታት ድማ ብድሕሪኦም ናብ ሕቚፊ ውሉዶም እትመልስ ኢኻ። ዓብዪ ስልጡን ኣምላኽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ።

19 ንስኻ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዶምን ከከም ፍረ ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም፡ ብምኽሪ ዓብዪ ብግብሪ ኸኣ ስልጡን ኢኻ። ኣዒንትኻ ድማ ኣብ ኲለን መገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።

20 ንስኻ ትእምርትን መንክራትን ኣብ ሃገር ግብጽን ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ሰብን ገበርካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ኣስሜኻ።

21 ንዝህብኻ እስራኤል ብትእምርትን መንክራትን ብብርቱዕ ኢድን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ብዓብዪ ረዓድን ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጻእካዮ።

22 እታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ነቦታቶም ክትህባ ዝመሐልካሎም ሃገር ከኣ ሀብካዮም።

23 ንሳቶም ድማ አተዉ ሐዝዋ ኸኣ፡ ግናኸ ንድምጽኻ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ኺገብርዎ ዝአዘዝካዮም ኲሉ ኣይገብርዎን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዂሉ መዓት እዚ ኣውረድካሎም።

24 እንሆ ነታ ኸተማ ኺሕዝዋ መፍረስ ዕርዲ ናባኣ ቐረበ። እታ ኸተማ ኸኣ ብሰሪ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ኣብ ኢድ እቶም ዚዋግእዋ ከለዳውያን ተዋህበት። እቲ ዝበልካዮ ዀነ፡ እንሆ ድማ፡ ትርእዮ ኣሎኻ።

25 ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ተዋሂባ ኸላስ፡ ንስኻ፡ ግራት ብገንዘብ ተሻየጥ ምስክር ከኣ ሐዘሉ፡ በልካኒ።

26-27 ሽዑ፡ እንሆ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኲሉ ስጋ ዝለበሰ እየ፡ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ? ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ።

28 ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ።

29 እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዚወግኡ ከለዳውያን ከኣ ኪመጹ፡ ነታ ኸተማ ድማ ኪትኲስዋ እዮም፡ ምስ ናይ እተን ኣብ ዝባን ኣናሕሰን፡ ኬቘጥዑኒ ኢሎም፡ ንበዓል ዝዐጠኑለን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዝኸዐዉለን ኣባይቲ ኼንድድዋ እዮም።

30 ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝዀነ ጥራይ ገበሩ እሞ፡ ደቂ እስራኤልሲ ብተግባር ኢዶም ኲሉ ጊዜ ኣቘጥዑኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

31-32 እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እተሰርሓትላ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ብሰሪ እቲ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ምስ ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምን ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩን፡ ኬቘጥዑኒ ኢሎም ዝገበርዎ ዂሉ እከይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ከርሕቓስ፡ ቊጥዓይን ነድረይን ኣለዓዐለትለይ።

33 እንግድዓኦም እምበር፡ ገጾም ኣይመለሱለይን። ኣንጊሄ እንተ መሀርክዎም፡ ምንም እኳ እንተ መሀርክዎም፡ ተግሳጽ ንምቕባል ኣይሰምዑን።

34 ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክዋስ፡ ጽያፎም ኣብኣ ኣንበሩ።

35 ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ንሞሌኽ ብሓዊ ኼሕልፍዎም፡ ነቲ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ በረኽቲ በዓል ሰርሑ። ንይሁዳ ኼሕጥኡ፡ ከምዚ ዘመሰለ ጽያፍ ኪገብሩ ኢለ፡ ኣነ ኣይአዘዝክዎን ከቶ ኣየስተንተንክዎን።

36 ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እዛ ንስኻትኩም፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ተወፍያ፡ እትብልዋ ዘሎኹም ከተማስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡

37 እንሆ፡ ካብቲ ብዂራይን ብቚጥዓይን ብዓብዪ ነድርን ዝሰጐጒክዎም ኲሉ ሃገር ክእክቦም እየ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ክመልሶም፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።

38 ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

39 ብደሓን ርእሶምን ብድሕሪኦም ከኣ ንደሓን ደቆምን ኪኸውንሲ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺፈርሁኒ፡ ሓደ ልብን ሓደ መገድን ክህቦም እየ።

40 ንኣታቶም ሰናይ ካብ ምግባር ከይዘሓጥሲ፡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክአትወሎም፡ ካባይ ከይዘብሉ ኸኣ፡ ፍርሃተይ ኣብ ልቦም ከሕድር እየ።

41 ሓጐሰይሲ ሰናይ ክገብረሎም እዩ። ብዂሉ ልበይን ብዂሉ ነፍሰይን ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።

42 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ዂሉ እዚ ዓብዪ ሕሰም ኣብዚ ህዝቢ እዚ ዘውረድክዎ፡ ከምኡ ድማ ኲሉ እቲ ዘተስፈኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ።

43 ኣብታ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ፡ ንከለዳውያን እተዋህበት ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር፡ ኣብኣ ግርሁ ኺሻየጡ እዮም።

44 ኣነ ንምሩኻቶም ከምልሰሎም እየ እሞ፡ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ግርሁ ብገንዘብ ኪሽየጥ እዩ፡ ናይ መሸጣ ውዑል ከኣ ኣብ ቅድሚ ምስክር ተጽሒፉ ኺሕተም እዩ።