ህዝቅኤል 2

1 ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፣ በለኒ።

2 ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፣ መንፈስ ኣተወኒ፣ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፣ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ።

3 በለኒውን፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ናብ ደቂ እስራኤል፣ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ።

4 ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፣ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ በሎም።

5 ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፣ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።

6 ኣታ ወዲ ሰብ፣ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፣ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፣ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዅን እንተ ዀንካ፣ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፣ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፣ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፣ ገጾምውን ኣየሰምብድካ።

7 ዓለውቲ እዮም እሞ፣ እንተ ሰሚዖምኻ፣ እንተ ኣብዮምኻ፣ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ።

8 ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፣ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፣ ኣፍካ ኽፈት፣ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ።

9 ጠመትኩ እሞ እንሆ፣ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፣ እንሆውን፣ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት።

10 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፣ ብውሽጣ ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ።