ህዝቅኤል 42

1 ድሕርዚ ንሱ ናብቲ ሰሜን ዜብል መገዲ ናብ ወጻኢ ኣጻድ ኣውጽኣኒ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዚርኢ ህንጻን ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከኣ ኣእተወኒ።

2 እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፣ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ወርዳ ኸኣ ሓምሳ እመት እዩ።

3 ኣብ ኣንጻር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ኣጻድ፣ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸኣ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ኣሎ።

4 ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ኸኣ ሓደ ዝእመቱ መገዲ ኣሎ። ደጌታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን።

5 እቲ መተሓላለፊታት ቦታ ስለ ዝወሰደለን፣ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ናይቲ ህንጻ እየን።

6 ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፣ ኣዕኑድሲ ኸምተን ናይ ኣጸድ ኣዕኑድ የብለንን። ስለዚ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ይጸባ እየን።

7-8 እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤር መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጻድ ዜብል፣ ኣብ ወጻኢ፣ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ።

9 ነቶም ካብ ወጻኢ ኣጸድ ዚኣትዉ፣ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኤን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።

10 ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ ገንዚ እቲ መንደቕ ኣጻድ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑጽን ክፍልታት ኣባይቲ ኣለዋ።

11 ኣብ ቅድሚኤን ከኣ፣ ከምቲ ናብ ሰሜን ዜብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ኣሎ፣ ምንዋሔንን ወርደንን፣ መውጽኢኤንን ስርዓተንን ደጊኤንን ማዕረ ማዕረ እዩ።

12 ከምተን ናብ ደቡብ ዜብላ ደጌታት ክፍልታት ኣባይቲ፣ ኣብ ርእሲ እታ መገዲ ደገ ኣሎ። ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዚኣትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዘላ እያ።

13 በለኒውን፣ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን። ኣብኤን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፣ ኣብኡ ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ኬንብሩ እዮም።

14 እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፣ እተን ዘገልግሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፣ ኣብኡ ከየንብርወን፣ ካብታ መቕደስ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ፣ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ ናብቲ ንህዝቢ እተመደበ ቦታ ይውጽኡ።

15 ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድኤ፣ በታ ናብ መገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውጽኣኒ፣ በዝን በትን ብዙርያኡ ኣመታ።

16 ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መኣመቲት ሻብምቆ ኣመቶ፣ በዛ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።

17 ነቲ ወገን ሰሜን ከኣ ኣመቶ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።

18 ነቲ ወገን ደቡብ ከኣ ኣመቶ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።

19 ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፣ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ኣመቶ።

20 ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፣ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ ፣ ወርዱ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዀነ። እዚ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዚፈሊ እዩ።