ሉቃስ 18

1 ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡

2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ።

3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት።

4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡

5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ።

6 ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ።

7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧

8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧

9 ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥

10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ።

11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።

13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።

14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ።

15 ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።

16 ኢየሱስ ግና ጸዊዑ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም።

17 ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

18 ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፡ ኢሉ ሐተቶ።

19 ኢየሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን።

20 ነተን፥ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ።

21 ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በለ።

22 ኢየሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገናኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒ፡ በሎ።

23 ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ።

24 ኢየሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩ፥ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ።

25 ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል፡ በለ።

26 እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፡ በሉ።

27 ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም።

28 ሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ።

29-30 ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሐደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

31 ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።

32 ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉ፡ ኪጸርፍዎ ጡፍውን ኪብሉሉ፡

33 ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።

34 ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።

35 ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

36 እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ።

37 ኢየሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሐልፍ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።

38 ንሱ ኸኣ፡ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ጨርሔ።

39 እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ።

40-41 ኢየሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ ኢየሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ።

42 ኢየሱስ ድማ፥ ርኤ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።

43 ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦ። እቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።