ሉቃስ 4

1 ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ።

2 ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ።

3 ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝ፡ በሎ።

4 ኢየሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

5 ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ።

6 ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡

7 ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

8 ኢየሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ።

9-11 ናብ ኢየሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ኺሕልዉኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ።

12 ኢየሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

13 ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤ፡ ንጊዜኡ ሐደጎ።

14 ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዔ።

15 ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።

16 ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ።

17 መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥

18 ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡

19 ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ።

20 ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ።

21 ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ።

22 ኵሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ።

23 ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ አሎኹም፡ በሎም።

24 በለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

25 ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡

26 ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን።

27 ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን።

28 ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ።

29 ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ።

30 ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ።

31 ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።

32 ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ።

33 ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥

34 ኣየ፡ ኢየሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።

35 ኢየሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ።

36 ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ።

37 ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ።

38 ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ።

39 ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶም።

40 ጸሐይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም።

41 ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።

42 ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ።

43 ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም።

44 ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።