ሉቃስ 24

1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ።

2 እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ።

3 ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና ኢየሱስ ኣይረኸባን።

4 ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ።

5 ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፥ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡

6-7 ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን።

8 ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ።

9 ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም።

10 እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን።

11 እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን።

12 ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።

13 እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ ኢየሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ።

14 ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ።

15 ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ።

16 ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።

17 ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም።

18 እቲ ሐደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ።

19 ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ ኢየሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡

20 ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡

21 ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ።

22 ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና።

23 ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና።

24 ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን።

25 ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡

26 ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም።

27 ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።

28 ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ።

29 ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ።

30 ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም።

31 ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።

32 ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ።

33 በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።

34 ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ።

35 እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም።

36 እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።

37 ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ።

38 ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧

39 ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።

40 እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።

41 ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኹም፡ በሎም።

42 ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ።

43 ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ።

44 ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም።

45 ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥

46 ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡

47 ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።

48 በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።

49 እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።

50 ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።

51 ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ።

52 ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።

53 ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።