ምሳሌ 11

1 ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።

2 ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።

3 ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።

4 ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይተቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።

5 ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዲ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ።

6 ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጥለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም።

7 ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፉኣትውን ይጠፍእ።

8 ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።

9 እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ።

10 ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን።

11 ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ።

12 እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል።

13 እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።

14 ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።

15 ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ፡ ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ።

16 ውቅብቲ ሰበይቲ ክብረት ትረክብ፡ ሃያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ።

17 ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ።

18 ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ።

19 ጽድቂ ናብ ይህወት ይመርሕ፡ ንኽፉእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ።

20 እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጕስዎ።

21 ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም።

22 መልክዔና ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።

23 ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።

24 ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ።

25 ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።

26 ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል።

27 ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ።

28 ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ።

29 እቲ ንቤት ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።

30 ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ።

31 እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ።