ምሳሌ 8

1 ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ∶ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ∶

2 ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡

3 ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡

4 ኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኩም ኣሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ።

5 ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሀሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙ።

6-7 ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።

8 ኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብኤን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።

9 ነቲ ኣስተዎዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረከቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን።

10-11 ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።

12 ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ።

13 ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።

14 ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ።

15 ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ።

16 ገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ።

17 ኣነ ነቶም ዜፍቅሩኒ ኤፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።

18 ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ ኣሎ።

19 ፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ።

20-21 ነቶም ዜፍቅሩኒ ሃብቲ ኸውርሶም፡ መዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጐደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።

22 እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ።

23 ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ኸይኰነት ቈምኩ።

24 ገና መዓሙቝ ከይኰነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሐዘ፡ ኣነ ተወለድኩ።

25 ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ።

26 ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ፡

27 ንሰማያት ኬቝማ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ኪዝርግሖ ኸሎ፡

28 ንደበና ናብ ላዕሊ ኬቝሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቝ ኬበርቶኦ ኸሎ፡

29 ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሐልፍሲ፡ ንባሕሪ ኺውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኼመልክት ከሎ፡

30 ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ ኤሐጕሶ፡ ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።

31 ኣብ ምድሪ ብዚነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።

32 ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዚህልዉ ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዑኒ።

33 ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ።

34 እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገኡ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።

35 እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል።

36 እቲ ኣብ ልዕለይ ዝእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዚጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ።