ምሳሌ 21

1 ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።

2 ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዚመዝን።

3 እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዚፈቱ።

4 ኵርዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።

5 ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ።

6 እቲ ብሓሳዊት መልሓስ ኣተአከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ።

7 ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፍዖም ጥፍኣቶም እዩ።

8 መገዲ እቲ በደለኛ ጥውይዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።

9 ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።

10 ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን።

11 ንመላገጺ እንተ ቕጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እንተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል።

12 እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም።

13 እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚዐጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።

14 ብስዉር ዝአተወ ገጸ በረኸት ኵራ የህድእ፡ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።

15 ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።

16 እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዚዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምዉታት ይነብር።

17 ጣዕሚ ንብረት ዚፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዚፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።

18 ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሐልፍ።

19 ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሐይሽ።

20 ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።

21 እቲ ንጽድቅን ብጕነትን ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።

22 ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሊ እምንቶኣ የፍርሶ።

23 እቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።

24 ዕቡይን ኵሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።

25 ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይአብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።

26 ምሉእ መዕልቲ ብህርፋን ዚምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።

27 መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፉን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ።

28 ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዚሰምዕ ሰብ ግና ኵሉ ጊዜ ኺዛረብ ይፍቀደሉ።

29 ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ።

30 ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።

31 ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።