ምሳሌ 22

1 ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።

2 ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ።

3 ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።

4 ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።

5 እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ካብኡ ይርሕቕ።

6 ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

7 ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

8 እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድ፡ ብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ።

9 እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።

10 ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ።

11 እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።

12 ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና እቲ ጠላሚ ይግልብጦ።

13 ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።

14 ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ።

15 ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።

16 ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞ፡ ንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።

17-18 ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እይ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ።

19 እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ።

20-21 ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ∶

22-23 እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።

24-25 መገዱ ምእንቲ ኸይትምሃር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።

26 ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን።

27 ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ∶

28 ኣቦታትካ ዜቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።

29 ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ∶ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን።