ምሳሌ 7

1 ወደየ፡ ንቓላተይ ሐልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዑቘሮ።

2 ንትእዛዛተይ ሐልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሐልዎ።

3 ናብ ኣጸብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሐፎ።

4-5 ካብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኺባልሀካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።

6 ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ፡ ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ፡

7 ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ኰይነ፡ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ።

8 ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሐሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።

9 ምድሪ መስዩ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ ጸሊም ለይቲ፡ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።

10 እንሆ ኸኣ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነት፡ ልባ ተንኰለኛ፡

11 ንሳ ህውከተናን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዐርፉን፡

12 ሓንሳእ ኣብ ኣደባብይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።

13 ሐዘቶ ሰዐመቶውን፡ ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ፡

14 መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺኦኤ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡

15 ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።

16 ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራናሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ ኣሎኹ።

17 ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀረፋ ነጺገሉ ኣሎኹ።

18-20 ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ኸይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዚምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና።

21 ብብዙሕ ጥበራ ኣስሐተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ስሐበቶ።

23-22 ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ፡ ብቕጾኣት ዚእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዐበ።

24 እምብኣርሲ ደቀየ፡ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ።

25-27 ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዜውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሐት።