ምሳሌ 24

1-2 ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ጥፋኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።

3 ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።

4 ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ።

5 ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።

6 እምብኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።

7 ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፉ ኣብ ደገ ኣይከፍትን።

8 እከይ ኪገብር ዚሓስብ ሰብሲ፡ ሰራሕ ነገር እዩ ዝበሃል።

9 ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን እዩ።

10 ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።

11 ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።

12 እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።

13 ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።

14 ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሃር እምበር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቝረጽን እዩ።

15 ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ።

16 እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።

17-18 እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጉሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።

19-20 እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።

21 ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር።

22 ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ∶

23 እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።

24 ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም።

25 እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።

26 ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም።

27 ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።

28 ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።

29 ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ብሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል።

30 ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡

31 እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።

32 ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡

33 ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡

34 ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።