ምሳሌ 17

1 ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ።

2 ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።

3 መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።

4 እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ።

5 ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጕድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።

6 ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።

7 ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኽናፍር ከመይ ኢለን።

8 መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ብሩር ዕንቍ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ።

9 ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

10 ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ፡ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።

11 እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰደሉ።

12 ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓ ነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ።

13 ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን።

14 ምጅማር ቈየቛ ከም ምኽፋት መገዲ ውሕጅ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ።

15 እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።