1ይ ነገስት 11

1 ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ፡

2 ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ።

3 ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ።

4 ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።

5 ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ።

6 ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዐቦን።

7 ሽዑ ሰሎሞን ንከምሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር ኢየሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሔ።

8 ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዚዐጥናን ዚስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን።

9 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ።

10 ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኽይከይድ ኣዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን።

11 ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሓጋጋትን ድማ ስለ ዘይሐሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።

12 እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ።

13 ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ ኢየሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።

14 እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ።

15 ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ኪቐርብ ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ከሎ፡

16 ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ።

17 ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሀደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ።

18 ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሀቦ፡ ቀለብውን ኣዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሀቦ።

19 ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።

20 እዛ ሓብት ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዚብሀል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ።

21 ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮአብ ሓላቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ።

22 ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ።

23 ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይትኡ ኻብ ሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሀደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ፡

24 ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ጊዜ፡ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ኣብ ደማስቆውን ነገሱ።

25 ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ።

26 የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲኡ ጽሩዓ፡ ንሳ ከኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዐለ።

27 እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዐሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ጸገኖ።

28 የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዕዮ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ።

29 ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ ኢየሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።

30 ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጾ።

31 ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቒራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ።

32 ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን።

33 ንኣይ ሐዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንኸምጽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ኪገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን።

34 ግናኸ ምእንቲ እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ።

35 ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንግስቲ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ።

36 ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሐሬኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።

37 ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ።

38 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝዀነ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ኸኣ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ።

39 ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን።

40 ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሀደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ።

41 እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን⋮

42 እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ።

43 ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።