1ይ ነገስት 20

1 ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ድማ ኩሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግአ።

2 ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል። ናብታ ኸተማል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ፡

3 ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፡ እተን ኣንስትኻን እቶም ዘዝጸበቑ ደቅኻንውን ናተይ እዮም፡ በሎ።

4 ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ዘረባኻ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዂሉን ናትካ ኢና፡ ኢሉ መለሰሉ።

5 እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም በልዎ፡ ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሀበኒ፡ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፡

6 ግናኸ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፡ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኪጒርጉሩ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንዓይንኻ ባህ ዜብሎ ዂሉ ብኢዶም ሒዞም ኪወስድዎ እዮም።

7 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዂሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ጸዊዑ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይከላእክዎን፡ እምበኣርሲ፡ በጃኹም፡ ንሱ ኽፉእ ከም ዚደልየና ርኢኹም ፍለጡ፡ በሎም።

8 ኲሎም ዓበይትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ሕራይውን ኣይትበሎ፡ በልዎ።

9 ንሱ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ቤን-ሃዳድ በሎም፡ ንጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለአኽካለይ ኲሉ ነገር ክገብሮ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ፡ በሉለይ። እቶም ልኡኻት ከኣ ከይዶም እዚ ነገር እዚ መለሱሉ።

10 ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እዚ ዝስዕበኒ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዔዕምዂቲ እንተ በጺሕዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ ኢሉ ለአኸሉ።

11 እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ። እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይጀሀር፡ በልዎ፡ ኢሉ መለሰሉ።

12 ኰነ ድማ፡ ቤን-ሃዳድ፡ ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኰይኖም ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንገላዉኡ፡ ተሰለፉ፡ በሎም። ነታ ኸተማ ኺወድቅዋ ኸኣ ተሰለፉ።

13 እንሆ ድማ፡ ሓደ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነዚ ብዘሎ ብዙሕ ኣኼባስ ርኢኻዮዶ⋮ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።

14 ኣከኣብ ድማ፡ ብመን፡ በለ። ንሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር፡ በለ። መሊሱ ድማ፡ ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ፡ በሎ።

15 ሽዑ ነቶም ገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር ቈጸሮም እሞ፡ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኰኑ። ድሕሪኦም ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ፡ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ቈጸሮም እሞ፡ ሾብዓተ ሽሕ ኰነ።

16 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ወጹ። ቤን-ሃዳድ ግና፡ ንሱን እቶም ነገስታትን፡ እቶም ኪሕግዝዎ ዝመጹ ሰላሳን ክልተን ነገስታት ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።

17 እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገር ከኣ ቅድም ወጹ። ቤን-ሃዳድ ድማ ዚርእዮ ሰደደ እሞ፡ ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

18 ንሱ ኸኣ፡ ንሰላም ወጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ ንውግእ እንተ ዀይኖም ዝወጹውን፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ።

19 እዚኣቶም እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገርን እቲ ዝሰዐቦም ሰራዊትን ኰይኖም ካብታ ኸተማ ወጹ፡

20 ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰሰብኣዩ ቐተለ፡ ሶርያውያን ከኣ ሀደሙ፡ እስራአል ድማ ሰጐጎም፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ብፈረስ ኣምለጠ።

21 ንጉስ እስራኤል ከኣ ወጺኡ ንፈረስን ንሰረገላን ሰባበረ፡ ንሶርያውያን ብርቱዕ ስዕረት ሰዐሮም።

22 ሽዑ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ ንጉስ ሶርያ በታ እትመጽእ ዓመት ድማ ኪድይበካ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ጽናዕ፡ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ርኢኻስ ፍለጥ፡ በሎ።

23 ነቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ እቶም ገላዉኡ በልዎ፡ ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፡ ስለዚ እዮም ካባና ዝሐየሉ። ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና።

24 እዚ ነገር እዚ ግዳ ግበሮ፡ ነዞም ነገስታት ነፍሲ ወከፍ ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ ራእስታት ሽም።

25 ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት ንኣኻ ሰራዊት ፍቐድ፡ ፈረስ ከምቲ ፈረስ፡ ሰረገላውን ከምቲ ሰረገላ፡ ኣብ ጐልጐል ከኣ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። ንሱ ኸኣ ዘረባኦም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ።

26 ኰነ ድማ፡ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ቤን-ሃዳድ ንሶርያውያን ቈጸሮም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ ደየበ።

27 ደቂ እስራኤል ድማ ተቘጺሮም ስንቆምውን ሒዞም ኪቃባበልዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ክልተ ናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።

28 ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ክምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ሶርያውያን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን፡ ስለ ዝበሉ፡ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።

29 እዚኣቶም ድማ ኣብ መንጽር እቲኣቶም ሾብዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ።

30 እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሀደሙ። ነትም ዝተረፉ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ሰብ ከኣ መካበብያ ወደቖም። ቤን-ሃዳድ ድማ ሀዲሙ ናብታ ኸተማ ናብ ፍቕዳ ውሻጠ ይአቱ ነበረ።

31 ገላዉኡ ኸኣ፡ እንሆ ሕጂ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል ምሕረተኛታትን ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣሎና እሞ፡ ምናልባሽ ህይወትካ እንተ መሐረካስ፡ በጃኻ፡ ኣብ ሕቜና ወጮ ተዐጢቕና፡ ኣብ ርእስና ኸኣ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ፡ በልዎ።

32 እምበኣርሲ ወጮ ተዐጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል ድማ መጽኦም። ጊልያኻ ቤን-ሃዳድ፡ ንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋ፡ ኢሉ ይልምነካ ኣሎ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንናይ ብህይወቱ ኣሎ፡ ንሱ ሓወይ እዩ። በለ።

33 እቶም ሰባት ድማ ነዚ ጽቡቕ ፋል ገይሮምዎ፡ ተቐላጢፎም፡ እወ፡ ቤን-ሃዳድ ሓውካ እዩ፡ ኢሎም ብእኡ ሐዝዎ። ንስ ኸኣ፡ ኪዱ፡ ኣምጽእዎ፡ በለ። ቤን-ሃዳድ ድማ ናብኡ ወጸ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ።

34 ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፡ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፡ ንስካ ድማ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ግበሮ፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ ኣነ ድማ በዚ ውዑል እዚ እሰደካ፡ በሎ። ምስኡ ኺዳን ኣትዩ ከኣ ሰደደ።

35 ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነብያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንብጻዩ። በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዕ ኣበየ።

36 ሽዑ ንሱ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካ፡ እንሆልካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ፡ በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ።

37 ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቕዖ፡ ወቒዑ ድማ ኣቚሰሎ።

38 እቲ ነብዪ ኸኣ ከይዱ፡ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፡ መልክዑ ለዊጡ፡ ነቲ ንጉስ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ተጸበዮ።

39 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዔ፡ ጊልያኻ ናብ ማእከል ውግእ ወጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሐልዎ፡ ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ኣምጽኣለይ። እንተ ጠፍኤ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኽትሐልፍ እያ፡ ወይ ሓደ ታለንት ብሩር ክትከፍል ኢኻ፡ በለኒ።

40 ኰነ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዐዪ ኸሎ፡ ንሱ ጠፍኤ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ባዕልኻ ቘሪጽካዮ፡ ፍርድኻ ኸምኡ እዩ፡ በሎ።

41 ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ንሱ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ።

42 ነቲ ንጉስ ድማ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ዝሐረምክዎ ሰብአይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን።

43 እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጒህዩ፡ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ።