1ይ ነገስት 17

1 ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንአከአብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ።

2-3 ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሐባእ።

4 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኺምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ።

5 ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ።

6 እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።

7 ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕሪ ሓያሎ ጊዜ እቲ ርባ ነጸፈ።

8-9 ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ።

10 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትአሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ።

11 ከተምጽእ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቚራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ።

12 ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ ኣሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት።

13 ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ።

14 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ።

15 ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡

16 ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።

17 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወድ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ሐመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዚሰአን በርትዖ።

18 ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና፡ ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒ፡ በለቶ።

19 ንሱ ግና፡ ወድኺ ሀብኒ፡ በላ። ካብ ሑቑፋ ወሲዱ ኸኣ ናብታ ዝነበረላ ደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።

20 ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምሳኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።

21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ በጥ ኢሉ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።

22 እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዔ፡ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ።

23 ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሀባ፡ ኤልያስ ድማ፡ ርአዪ፡ ወድኺ ሐውዩ፡ በለ።

24 እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለቶ።