1ይ ነገስት 16

1 ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡

2 ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ኬዀርዩኒ ስለ ዘስሐትካዮም፡

3 እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ።

4 ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።

5 እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡

6 ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጻውን ተቐብረ፡ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ወዱ ኤላ ነገሰ።

7 ከም ቤት የሮብዓም ኪኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎን፡ እቲ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ።

8 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ገዝኤ።

9 ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሐለሉ። ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጻ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ቅርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡

10 ዚምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።

11 ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለ፡ ካብ ዘመዱ ዀነ፡ ካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን።

12-13 ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ኬዀርይዎስ፡ ንእስራኤል ከኣ ስለ ዝስሐቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።

14 እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡

15 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ።

16 እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎ፡ ኪብሉ ሰምዑ። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ።

17 ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ።

18-19 ኰነ ድማ፡ ዚምሪ እቲ ብመገዲ የሮቦኣም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸኣ።

20 እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሐሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

21 ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ኬንግሶ ሰዐቦ። እቲ ፍርቂ ኸኣ ንዖምሪ ሰዐቦ፡

22 እቲ ንዖምሪ ዝሰዐበ ህዝቢ ድማ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዐበ ህዝቢ ሐየሎ። ቲብኒ ኸኣ ሞተ፡ ዖምሪውን ነገሰ፡

23 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ። እተን ሹድሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ።

24 ንኸረን ሰማርያ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዐደጋ፡ ኣብቲ ኸረን ከኣ ሰርሔ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጐይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ።

25 ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ።

26 ብዂሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ኬዀርይዎ ብዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከደ።

27 እቲ ዝተረፈ ዖምሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡

28 ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ ነገሰ፡

29 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ድማ ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝኤ።

30 ኣከአብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዚኸፍእ ገበረ።

31 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤል፡ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎ፡ ሰገደሉውን።

32 ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ።

33 ኣከአብ ከኣ ኣስታርተ ገበረ። ኣከአብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዜዀሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።

34 ብዘመኑ ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዂሩ ሰረታ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።