1ይ ነገስት 2

1 ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡

2 ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽኑዕ፡ ሰብአይ ከኣ ኹን።

3 እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኺቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።

4 እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞ፡ እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ፡ መገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየ፡ በለኒ።

5 እቲ ዮአብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርን፡ ነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉ፡ ብጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ።

6 እምበአር ከም ጥበብካ ግበሮ፡ ንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ።

7 ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሀድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መአድኻ ዚበልዑ ይኹኑ።

8 እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፡ ብዓል ባሑሪም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሐልኩሉ።

9 ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ።

10 ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ።

11 እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

12 ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣብኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዔት።

13 ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየ፡ በላ።

14 ምሳኺ ደአ ዘረባ ኣሎኒ፡ ድማ በለ። ተዛረብ፡ በለቶ።

15 ንሱ ኸኣ፡ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኲሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረ፡ ባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይን እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት።

16 ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብ፡ በለቶ።

17 ንሱ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበንስ፡ በጃኺ፡ ተዛረብዮ፡ በላ።

18 ባትሴባ ኸኣ፡ ጽቡቕ፡ ንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት፡

19 ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን አተወት። እቲ ንጉስ ከኣ ኪቕበላ ተንስኤ፡ ኢድ ድማ ነስኣላ፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት።

20 ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉስ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ።

21 ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱላማዊት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሀብ፡ በለት።

22 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡ፡ ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ፡ ንሱ ኻባይ ዚዐቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽርያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ።

23-24 ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ንፍሱ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ።

25 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ ሞተ ክኣ።

26 ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ፡ ናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ።

27 በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዐሮ።

28 ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዐበ፡ ንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮአብ ምስ መጸ፡ ዮአብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሀዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሐዞ።

29 ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሀደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ ኬድካ ቕተሎ፡ ኢሉ ሰደዶ፡

30 በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስ፡ ውጻእ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደአ እመውት፡ በለ። በናያ ድማ፡ ዮአብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይ፡ ኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ።

31 ንጉስ ከኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።

32 ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚጸድቁን ዚሔሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፡ ንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፡ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ጠቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎም፡ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ።

33 እወ፡ ደሞም ንዘለአለም ናብ ርእሲ ዮአብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ሰላም ይኹን፡ በሎ።

34 ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ።

35 ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ።

36 እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኡ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ።

37 ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ።

38 ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ ጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ፡ ጊልያኻ ኸምኡ ይገብር፡ በሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።

39 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስ ጋት፡ ሀደሙ። ንሺምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ።

40 ሽዒ ሺምዒ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኺደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም።

41 ሺምዒ ኻብ ኢየሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ።

42 እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ በታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸደላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣስሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን፡ ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩ፡ በልካኒ።

43 ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝአዘዝኩኻ ትእዛዝን ደአ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሐሎኻዮ፡ በሎ።

44 ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዚፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ ኣሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ።

45 ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ።

46 ንጉስ ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። እታ መንግስት ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዔት።