1ይ ነገስት 18

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርአዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።

2 ኤልያስ ከኣ ንአከአብ ኪርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።

3 ኣከአብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖ። ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡

4 በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ፡ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም፡ እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።

5 ኣክአብ ከኣ ንኦብድያ፡ ኲለን እንስሳ ኽይጠፍአናስ፡ ኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድ፡ ምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕን፡ በሎ።

6 ኪዀልዋ ድማ፡ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣከአብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ ኻልእ መገዲ ኸደ።

7 ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ተጓነፎ፡ ኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ፡ በለ።

8 ንሱ ድማ በሎ፡ እወ፡ ኣነ እየ። ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ፡ በሎ።

9 ንሱ ኸኣ በለ፡ ኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከአብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ፡

10 ጐይታይ ኪደልየካ ኢሉ ዘይለአኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዜልቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሐሎም።

11 ሕጂ ድማ ንስኻ፡ ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ

12 ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ኪቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ።

13 በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡

14 ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ።

15 ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ሎሚ ኸም ዝርአዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ።

16 ኦብድያ ኸኣ ንአከኣብ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ነገሮ ድማ። ኣከኣብ ንኤልያስ ኪቃባበሎ ኸደ።

17 ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረአዮ፡ ኣከአብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ፡ በሎ።

18 ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሐሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገርኩን።

19 ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤል ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ።

20 ኣክኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም።

21 ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን።

22 ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።

23 እምበኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይእጐደሉን።

24 ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለለ እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ።

25 ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም።

26 ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ።

27 ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደአ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም።

28 ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ።

29 ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።

30 ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ።

31 ኤልያስ ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፡ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ወሰደ። ያእቆብ እቲ፡ እስራኤል ይኹን ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ።

32 በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዚሕዝ ጒድጓድ ዀዐተ።

33 ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ።

34 በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ በለ። ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወስኹ በለ። ሳልሳይ ከኣ ወሰኹ።

35 እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጐድጓድ ድማ ማይ መልኤ።

36 ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላ ጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዛካ ከም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ።

37 እዞም ህዝቢ እዚኣኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ፡ ምላሽ ሀበኒ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ፡

38 ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።

39 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረአዩ፡ ብገጾም ተደፊኦም፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ በሉ።

40 ኤልያስ ድማ፡ ንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቚ፡ በሎም። ሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም።

41 ኤልያስ ከኣ ንአከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ።

42 ሽዑ ኣከአብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።

43 ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ፡ በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰ፡ በለ።

44 ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዐል ኣላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ።

45 ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ።

46 ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዐጢቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱ፡ ቀቅድሚ ኣከአብ ይጐዪ ነበረ።