1ይ ነገስት 6

1 ኰነ ድማ፡ በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ምንጋስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ፡ ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ምስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ጀመረ።

2 እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቁመታውን ሰላሳ እመት ነበረ።

3 እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ።

4 ነታ ቤት ድማ ዘይነቓነቕ መሳዂቲ ዓይነ ርግቢ ገበረላ።

5 ምስ መንደቅ እታ ቤት ኣጸጊዑ ኸኣ ኣብ ዙርያኣ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ክፍልታት ቤት ሰርሔ።

6 እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሐዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርይኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋኣ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ።

7 እታ ቤት ክትስራሕ ከላ ኸኣ፡ ኣብቲ እተዃዕተላ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማንን ተሰርሔት እሞ፡ ክትስራሕ ከላ ሞደሻ ዀነ፡ ምሳር ኰነ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ሓጺን ኣብታ ቤት ኣይተሰምዔን።

8 ደገ እታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት፡ ካብታ ማእከለይቲ ናብታ ሳልሰይቲ ድማ ብተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።

9 ነታ ቤት ከኣ ሰርሓ ፈጸማውን። ነታ ቤት ከኣ በግማልን በኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።

10 ኣብ ብዘሎ ጸግዒ እታ ቤት ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሔ፡ ምስታ ቤት ከኣ በእዋም ቄድሮስ ኣጋጠምዎ።

11 ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መጸ፡

12 ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘሎኻ ቤት፡ ብሕጋጋተይ እንተ ኸድካ፡ ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ፡ ንዂሉ ትእዛዛተውን ክትከደሉ እንተ ሐሎኻዮ፡ እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ።

13 ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ፡ ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሐድጎን እየ።

14 ሰሎሞን ድማ ነታ ቤት ሰሪሑ ፈጸማ።

15 ንመንደቕ እታ ቤት ብወገን ውሽጣ ኸኣ ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ነቲ ውሽጢ ብዕጨይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብኣልዋሕ ጽሕዲ ኸደኖ።

16 ንውሻጠ እታ ቤት ድማ ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕላይ መንደቕ ዕስራ እመት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ፡ እዚ ኽኣ ንቤት ራእይ ኪዀኖ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ሰርሖ።

17 እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቤት፡ ንሱ ድማ እቲ መቕደስ፡ ኣርብዓ እመት ነበረ።

18 ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ኣጒማን ክፉት ዕምባባን እተቐርጸ ቄድሮስ ነበረ። ኲሉ ቄድሮስ ነበረ፡ እምኒ እኳ ኣይተራእየን፡

19 ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብኡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኬንብረሉ፡ ቤት ራእይ ኣዳለወ፡

20 ውሽጢ እቲ ቤት ራእይ ከኣ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ከኣ ዕስራ እመት፡ ቊመቱውን ዕስራ እመት ነበረ፡ ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ ነቲ መሰውኢ ድማ ብቄድሮስ ከደኖ።

21 ሰሎሞን ከኣ ነቲ ቤት ብውሽጡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ራእይ ድማ ዚጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፡ ብወርቂ ኸኣ ለበጦ።

22 እቲ ቤት ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ፡ ንብዘሎ እቲ ቤት ብወርቂ ለበጦ፡ ንዂሉ እቲ መሰውኢ ቤት ራእይውን ብወርቂ ለበጦ።

23 ኣብቲ ቤት ራእይ ከኣ ዓሰርተ እመት ዝቚመቶም ክልተ ኪሩቤል ካብ ኦም ኣውልዕ ገበረ።

24 ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ድማ ሓሙሽተ እመት፡ ካልኣይቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበራ። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ።

25 እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኣቶም ልክዖም ሓደ፡ ምስሎም ከኣ ሓደ ነበረ።

26 ቊመት እቲ ሓደ ኪሩቤል ዓሰርተ እመት፡ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ከምኡ ነበረ።

27 ነቶም ኪሩቤል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ውሽጣዊ ቤት ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሔን ነበራ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መንደቕ ተንከዮ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከኣ ነቲ ኻልኣይ መንደቅ ተንከዮ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተታናኸያ።

28 ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።

29 ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን፡ ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትን ቀረጸ።

30 ነቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብውሽጥን ብግዳምን ብወርቂ ለወጦ።

31 ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ።

32 ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብኤን ቅርጺ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጸ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ።

33 ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብቲ መንደቕ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ።

34 ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኽልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ።

35 ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ።

36 ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ከኣ ሰለስተ መስርዕ ብጽሩብ እምኒ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ቄድሮስ ሰርሖ።

37 እቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ራብዓይ ዓመት፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ ተመስረተ፡

38 ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡ ንሳ ሳምነይቲ ወርሒ፡ እቲ ቤት ብዂሉ ኽፍልታቱውን ከምቲ እተመደበ ዂሉን ተፈጸመ። ብሾብዓተ ዓመት ሰርሖ።