1ይ ነገስት 15

1 ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።

2 ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።

3 በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን።

4 ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፡ ብድሕሪኡ ወዱ ኼተንስእ ንኢየሩሳሌምውን ኬጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢየሩሳሌም መብራህቲ ሀቦ።

5 ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝአዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን።

6 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ።

7 እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን⋮ ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ።

8 ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ።

9 ንየሮቦኣም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ፡

10 ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ።

11 ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።

12 ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም።

13 ነዲኡ ማዓካውን፡ ንአስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ።

14 ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶን። ኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድአ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ።

15 ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።

16 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ።

17 ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባ። ገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከይሐድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ።

18 ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሀቦም። ነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ልኢኹ፡

19 ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝአቶኻዮ ኺዳንካ ኣፍርሶ፡ በሎ።

20 ቤን-ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ኪወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደ፡ ንዒዮንን ንዳንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንብዘላ ኪነሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዐረን።

21 ኰነ ኸኣ፡ ባዕሳ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስራሕ ሐዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ።

22 ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሐደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱ፡ ንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሔን።

23 ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣ፡ ኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሔን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ብጊዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሐመመ።

24 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።

25 ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልአይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ።

26 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ።

27 ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሐለሉ። ናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ።

28 ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ፡

29-30 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰሪ እቲ የሮቦኣም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሐቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዜጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሓደገሉን።

31 ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን⋮

32 ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ፡

33 ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኤ።

34 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ።