ኢያሱ 10

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣዶኒ-ጼዴቅ ንጉስ ኢየሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይ ከም ዝሐዛን ፈጺሙ ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዐርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ከም ዚነብሩን ምስ ሰምዔ፡

2 ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ ኤረ ኻብ ዓይ እኳ ትዐቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባትውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዮም ፈርሁ፡

3 ስለዚ ኣዶኒ-ጼደቅ ንጉስ ኢየሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ፡

4 ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዐሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሐግዙኒ፡ በሎም።

5 ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንጉስ ኢየሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ተአኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩ፡ ተዋግእዋ ኸኣ።

6 ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዚነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ናባና ተአኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይድከም፡ ቀልጢፍካ ናባና ደይብ፡ ኣድሕነናን ርድኣናን፡ በልዎ፡

7 ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኻብ ጊልጋል ደየቡ።

8 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ በሎ።

9 እያሱ ከኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም።

10 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከኣ ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፡ ብመገዲ ዓቐበት ቤት-ሖሮን ሰጐጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከኣ ወቕዖም።

11 ኰነ ኸኣ፡ ካብ እስራኤል ሀዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤት-ሖሮን ከለዉ ኽሳዕ ዓዜቃ ዚበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎም፡ ሞቱ ኸኣ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።

12 ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን።

13 ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን።

14 እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።

15 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ።

16 እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሀዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐብኡ።

17 ንእያሱ ኸኣ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሐቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

18 እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዚሕልውዎም ሰብ ከኣ ግበሩ።

19 ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስጐጕዎም። ነቶም ዳሕሮቶም ከኣ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ኪአትዉ ኣይትሕደግዎም።

20 ኰነ ኸኣ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዪ ስዕረት፡ ክሳዕ ዚውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዐርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሀደሙ ድማ ናብተን እተዐርዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፡

21 ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ኣንብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሓሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረ።

22 ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም፡ በለ።

23 ከምኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ንጉስ ኢየሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም።

24 ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ፡ በሎም። ቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ፡

25 እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግዎም ኵሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኺገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን፡ በሎም።

26 ድሕርዚ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎም፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዐሉ።

27 ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሐቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ።

28 እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዔ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝግበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ።

29 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሐለፈ፡ ንሊብና ኸኣ ተዋግኣ።

30 እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ።

31 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሐለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ።

32 እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሀባ፡ ብኻልአይቲ መዓልቲ ሓዛ፡ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።

33 ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ኪረድኣ ደየበ፡ እያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ቀተለ።

34 እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን ሐለፈ፡ ኣብ መንጽራ ሰፈሮም ከኣ ተዋግእዋ።

35 በታ መዓልቲ እቲኣ ሐዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ዅሉ ንላኪሽ ዝገበራ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።

36 እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፡ ተዋግእዋ ከኣ።

37 ሐዝዋ ድማ፡ ንእእን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮ፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም።

38 እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰ፡ ተዋግኣ ኸኣ።

39 ንእኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሐዘ፡ ብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለዉ ንዅሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከኣ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከኣ ከምኡ ገበረ።

40 በዚ ኸምዚ እያሱ ንዅላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ኵሎም ነገስታቶምን ቀተሎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝአዘዞ፡ ትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈጺሙ ኣጥፍኤ።

41 ከምኡ ድማ እያሱ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንዅላ ሃገር ጎሼን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም።

42 እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሐዘ።

43 ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ።