ኢያሱ 18

1 ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝኣትሎም።

2 ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ።

3 እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡

4 ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸኣ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ።

5 ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ከኣ ይምቀልዋ፡ ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶቦም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ።

6 ነታ ምድሪ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም።

7 እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።

8 እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሐፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ ኣዘዞም።

9 እቶም ሰባት ከኣ ኸይዶም በታ ሃገር ሓለፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸኣ ናብ እያሱ መጹ።

10 እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም።

11 ንነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም።

12 እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዪቡ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን ይወጽእ።

13 ካብኡ ኸኣ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡብ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡ ይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር ይወርድ።

14 እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ።

15 ወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ።

16 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸኣ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ከኣ ይወርድ።

17 ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ።

18 ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሐሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ።

19 እቲ ዶብ ከኣ ብጸግዒ ሰሜን ቤት-ሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ።

20 ብወገን ምብራቕ ከኣ ዶቡ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ።

21 ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤት-ሖግላን ኤሜቅ-ቀጺጽን፡

22 ቤት-ዓራባን ጸማራዪምን ቤት-ኤልን፡

23 ዓዊምን ጳራን ዖፍራን፡

24 ኬፋር-ዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።

25 ጊብዖንን ራማን ብኤሮትን፡

26 ሚጽጴን ኬፊራን ሞጻን፡

27 ሬቀምን ዪርጰኤልን ታርኣላን፡

28 ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸኣ ኢየሩሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።