ኢያሱ 24

1 እያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ከኣ ጸዎዖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ቐረቡ።

2 እያሱ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም፡ ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ።

3 ነቦኹም ኣብርሃም ከኣ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕክዎ፡ ዘርኡውን ኣብዛሕኩ፡ ይስሃቅ ከኣ ሀብክዎ።

4 ንይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሀብክዎ። ንኤሳው ከኣ ከረን ሰዒር ኪርስተያ ሀብክዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ።

5 ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸኣ ንግብጺ፡ ከምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ፡ ወቓዕክዋ፡ ድሕርቲ ድማ ኣውጻእኩኹም፡

6 ነቦታትኩም ከኣ ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ናብ ባሕሪ ድማ በጻሕኩም። እቶም ግብጻውያን ከኣ ነቦታትኩም ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰጐጒዎም።

7 ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖም። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸኣ፡ ኣዒንትኹም ርእየናኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም።

8 ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእቶኹኹም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፡ ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብክኹም፡ ምድሮም ድማ ወረስኩም፡ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእክዎም።

9 ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፡ ንበላዓም ወዲ ጴዖር ድማ፡ ምእንቲ ኺረግመኩም፡ ልኢኹ ጸውዖ።

10 ኣነ ግና ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈቶኹን፡ ስለዚ ንሱስ ኣጸቢቑ ደኣ ባረኸኩም፡ ካብ ኢዱ ኸኣ ኣድሐንኩኹም።

11 ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም እሞ፡ ሰብ ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ድማ ተዋግኡኹም። ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሀብኩኹም።

12 ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ድማ ካብ ቅድሜኹም ዝሰገጎም ዕኰት ኣብ ቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፡ ብሴፍካን ብቐስትካን ኣይኰነን።

13 ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከኣ ትነብሩ ኣሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ ኣሎኹም።

14 ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጹምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ።

15 ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

16-17 ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተኣምራት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መገድን፡ ኣብቶም ብማእከሎም ዝሐለፍና ዅሎም ህዝብታትን ዝሐለወና፡ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሐቕ።

18 እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ኵሎም ነቶም ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ኣሞራውያን ካብ ቅድሜና ሰጒጒዎም እዩ፡ ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸኣ ንእግዚኣብሄር ነገልግሎ።

19 እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ በለ፡ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ ንሱ ኸኣ ቀናእ ኣምላኽ እዩ፡ ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን ኣይሐድገልኩምን እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኣይትኽእሉን።

20 ንእግዚኣብሄር ሐዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ድማ እንተ ኣገልገልኩም፡ ንሱ ድሕርቲ ጽቡቕ ምስገበረልኩም ከኣ መሉሱ ኽፉእ ኪገብረኩምን ኪውድኣኩምን እዩ።

21 እቲ ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ኣይፋልናን፡ ንእግዚኣብሄር ደኣ ነገልግል፡ በለ።

22 እያሱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኢልኩም ከም ዝሐሬኹምዎ ንስኻትኩም ንርእስኹም ምስክር ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ምስክር ኢና፡ በሉ።

23 እምበኣር ሕጅስ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣግልስዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።

24 እቶም ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል፡ ቃሉ ኸኣ ንሰምዕ፡ በልዎ።

25 እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኺዳን ኣተወ፡ ሕግን ፍርድን ከኣ ኣብ ሴኬም ኣቘመሉ።

26 እያሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ድዋ ኣቘሞ።

27 እያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረበና ዅሉ ቓላት ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣባና ምስክር ኪኸውን እዩ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኽይትኽሕዱስ፡ ኣባኻትኩም ምስክር ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

28 ሽዑ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ።

29 ድሕርዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።

30 ኣብ ዶብ ርስቱ ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ ድማ ቀበርዎ።

31 እስራኤል ከኣ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።

32 እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዐደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም።

33 ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ እተዋህበት፡ ኣብ ጊብዓ ቐበርዎ።