ኢያሱ 17

1 ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በዅሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ፡ ተዋጊኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ዀና።

2 ነቶም ዝተረፋ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን፡ ተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።

3 ግናኸ ጸሎፈሓድ፡ ወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ከኣ እዚ እይ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ።

4 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበን፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኺህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን።

5-6 እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት።

7 ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኰነ። እቲ ዶብ ከኣ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔን-ታጱኣ ዚነብሩ ይሐልፍ።

8 ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ዀነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኰነት።

9 እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርባ ቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽነሰን፡ ንኤፍሬም ኰና፡ ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸኣ ይወጽእ።

10 ደቡብ ንኤፍሬም፡ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፡ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ።

11 ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፡ ቤት-ሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ዔንዶር ዚነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ታዓናክ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ኣብ መጊዶ ዚነብሩን ዓድታትን፡ ሰለስቲኤን በረኽቲ ንምናሴ ዀኖ።

12 ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚኤን ኬውጽእዎም ኣይከአሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ኪቕመጡ ቘረጹ።

13 ኰነ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሐየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጐጕዎምን።

14 ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ባሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሃደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሀብካኒ፧ ኢሎም ተዛረብዎም።

15 እያሱ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ እሞ ከረን ኤፍሬም እንተ ደኣ ጸበባካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም።

16 ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይኣኽለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዚነብሩ ኸነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤት-ሸአንን ኣብ ዓድታታን ዚነብሩ ዀነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዚነብሩ ዀነ፡ ኵላቶም ሰረገላታት ሓጺን ኣለዎም፡ በሉ።

17 እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊውን ኣሎካ፡ ሓደ ጥራይ ኣይኹነልካ፡

18 እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ኪኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከኣ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ዀኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም።