ኢያሱ 5

1 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን፡ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እንሳገሮ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ ኣይተረፈቶምን።

2 በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ፡ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ፡ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም፡ በሎ።

3 እያሱ ድማ በሊሕ ጽልጽለ ኣንጺሉ፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኵርባ ዓራሎት ገዘሮም።

4 እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ፡ ተባዕትዮ ዘበሉ ዅሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወጺኦምሲ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ።

5 እቶም ዝወጹ ህዝብስ ኵሎም ግዙራት ነይሮም፡ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ እተወልዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ።

6 ደቂ እስራኤል፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ክሳዕ ዚወድኡ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ንኣና ኺህበና ነቦታቶም ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ከየርእዮም መሐለ።

7 ነቶም ኣብ ክንዳኦም ዘተንስኦም ደቆም ከኣ፡ ኣብ መገዲ ስለ ዘይተገዝሩ፡ ዕልቦታት ነበሩ እሞ፡ እያሱ ገዘሮም።

8 ኰነ ኸኣ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ገዚሮም ምስ ፈጸሙ፡ ክሳዕ ዚሐውዩ፡ ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ሰፈር ተቐመጡ።

9 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ኻባካትኩም ኣንካራሮኽዎ፡ በሎ። ስም እታ ቦታ ኸኣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል ይብሀል ኣሎ።

10 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ፋስጋ ገበሩ።

11 ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ እኽሊ እታ ምድሪ፡ ቅጫን ቆሎ ስርናይን በልዑ።

12 እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፡ ንጽብሒቱ እቲ ማና ኣቋረጸ፡ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ኸነኣን በልዑ እምበር፡ ድሕሪኡስ ማና ኣይነበሮምን።

13 ኰነ ኸኣ፡ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረአየ፡ እንሆ ድማ፡ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ፡ ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፧ በሎ።

14 ንሱ ድማ፡ ኣይፋለይ፡ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ፡ ሕጂ መጺኤ ኣሎኹ፡ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ፡ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ፧ በለ።

15 እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ከምኡ ገበረ።