ኢያሱ 11

1 ኰነ ኸኣ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዔ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፡

2 ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጐልጐልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቈላን ኣብ ምዕራብን በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት፡

3 ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለኣኸ።

4 ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረላን ወጹ።

5 እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ተኣከቡ፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ መጺኦም ድማ፡ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ።

6 እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህ፡ ኣፍራሶም ክትቅንጅብ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ፡ በሎ።

7 እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡ፡ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም።

8 እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሀቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን፡ ክሳዕ ሚስረፎት-ማይም ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጺጳ ሰጐጕዎም። ሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም።

9 እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፡ ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶምዉን ብሓዊ ኣንደደ።

10 ሓጾር ድማ ነዘን ኵለን መንግስትታት እዚ ኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማኤን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ጊዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛ፡ ንንጉሳ ኸኣ ሰየፎ።

11 ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ።

12 እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታትንን ሐዘ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ኸኣ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም።

13 ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን።

14 ኵሉ ምርኮ እተን ከተማታት እዚኤንን ማልን ደቂ እስራኤልን ንርእሶም ማረኽዎ። ንዅሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዜጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን።

15 ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝአዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡ እያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሐደገን።

16 እያሱ ኸኣ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኵሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጐሼንን ቈላን ጐልጐልን ኣኽራን እስራኤልን ቈላኡን ሐዘ።

17 ካብቲ ናብ ሰዒር ዜደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓል-ጋድ፡ ንዅሎም ነገስታቶም ሐዘ፡ ወቒዑ ድማ ቀተሎም።

18 እያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግኤ።

19 ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዐርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንዅለን ተዋጊኦም ሐዝወን።

20 ምእንቲ ፈጺሙ ኼጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ፡ ምእንቲ ኼጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኰነ።

21 በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም።

22 ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያንን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ።

23 ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ፡ ንብሃገራ ሓዛ፡ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሀቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።