ኢያሱ 23

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም፡ እያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡

2 ንብዘለዉ እስራኤል፡ ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም፡ ኣነ አሪገ፡ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡

3 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ተዋጊኡልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኵሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ዅሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም።

4 ርአዩ፡ ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም።

5 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ኪደፍኦም፡ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ኪሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ድማ፡ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም።

6 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ዅሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ።

7 ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉ፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡

8 ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ።

9 እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን።

10 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዚዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ኪሰጎም እዩ።

11 ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሐለዉ።

12 ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡

13 ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ።

14 እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ ኣሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።

15 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዜጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ኬምጽኣልኩም እዩ።

16 ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ኪነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።