ኢያሱ 9

1 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቈላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዚነብሩ ዅሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነአናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡

2 ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ተአኪቦም ተሰማምዑ።

3 ሰብ ጊብዖን ከኣ እያሱ እቲ ኣብ ያሪኮን ኣብ ዓይን ዝገበሮ ምስ ስምዑ፡

4 ንሳቶም ድማ ተንኰል ገበሩ፡ ከም ልኡኻት መሲሎም፡ ኣረገውቲ ዓያብትን ቅዱድን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ድማ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም፡

5 ኣረጊት እተለገበ ኣሳእን ከኣ ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፡ ብላይ ክዳውንቲውን ተከዲኖም ከዱ። ኵሉ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ።

6 ናብ እያሱ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ከይዶም ከኣ፡ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምሳና ኺዳን እተዉ፡ በልዎም፡

7 ሰብ እስራራኤል ከኣ ንሃዋውያን፡ ምናልባሽ ኣብ ማእከልና ትነብሩ ኸይትዀኑ፡ ከመይ ጌርና ምሳካትኩም ኪዳን ክንአቱ፧ በልዎም።

8 ንእያሱ ኸኣ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ በልዎ። እያሱ ድማ፡ እንታዎት ኢኹም፧ ካበይከ መጺእኩም፧ በሎም።

9 ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና እሞ፡ ገላዉኻ ምእንቲ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና።

10 እቲ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦንን፡ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና።

11 እቶም ዓበይትናን ኣብ ሃገርና ዚነብሩ ዅሎምን ከምዚ ኢሎም ተዛረቡና፡ ስንቂ ንመገዲ ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ ክትቀባበልዎም ድማ ኪዱ። ንሕና ገላውኹም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ኪዳን እተዉልና፡ በልዎም።

12 እዚ እንጌራና በታ ናባኻትኩም ክንከይድ ዝወጻእናላ መዓልቲ ኻብ ኣባይትና ብውዑዩ ዝሰነቕናዮ፡ ሕጂ ግና እንሆ፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን እዩ።

13 እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸኣ ብሓደስቱ ዝመላእናዮ፡ እንሆ ተቐዲዱ፡ እዚ ኽዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ካብ ምንዋሕ መገዲ በልዩ።

14 ሽዑ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይጠየቑን።

15 እያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ኪሐድጎም ከኣ ኪዳን አተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሐሉሎም።

16 ኰነ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኪዳን ምስ አተዉ፡ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጐረቤቶም ምዃኖም፡ ኣብ ማእከሎም እኳ ደአ ከም ዚነብሩ ሰምዑ።

17 ደቂ እስራኤል ከኣ ነቒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ። እተን ከተማታቶም ከኣ ጊብዖንን ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን እየን።

18 ግናኸ ደቂ እስራኤል፡ እቶም ሹማምቲ ኣኼባ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎሙሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ከኣ ኣብቶም ሹማምቲ ኣጕረምረመ።

19 እቶም ሹማምቲ ዅሎም ድማ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ንህና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ክንትንክዮም ኣይንኽእልን።

20 ብዛዕባ ኣቲ ዝመሐልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ፡ ከምዚ ግዳ ንግበሮም፡ ብህይወት ንሕደጎም፡ በልዎ።

21 እቶም ሹማምቲ፡ ብህይወት ይንበሩ፡ በልዎም። ግናኸ፡ ከምቲ ሹማምቲ ዝበልዎም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ኰኑ።

22 እያሱ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ኣብ ማእከልና ኽነስኹምሲ፡ ንሕና ኻባኹም ኣዚና ርሑቓት ኢና፡ ብምባልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፧

23 ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፡ ባርነት ከኣ ካባኻትኩም ኣይለቅቕን፡ ንቤት ኣምላኸይ ቈረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ክትኰኑ ኢኹም፡ ኢሉ ተዛረቦም።

24 ንሳቶም ድማ ንእያሱ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ብዘላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኺህበኩም፡ ኣብዛ ሃገር ንዚነብሩ ዅሎም ከኣ ካብ ቅድሜኹም ኬጥፍኦም ከም ዝአዘዞ፡ ንእና ባሮትካ ርግጽ ተነጊሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና ኣዚና ፈሪህና፡ እዚ ነገር እዚ ገበርና።

25 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣብ ኢድካ ኢና፡ ንኣና ኽትገብሮ ጽቡቕን ቅኑዕን መሲሉ እተራእየካ ግበር፡ ኢሎም መለሱሉ።

26 ከምኡ ኸኣ ገበሮም፡ ካብ ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣናገፎም፡ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን።

27 እያሱ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን ገበሮም።