ኢያሱ 2

1 እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩ፡ ኢሉ ኺስልዮ ብሕቡእ ሰደዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሐደሩ።

2 ንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ኪስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

3 ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝአተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ኪስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ።

4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሐብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ አትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን።

5 ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ጊዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዐቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም።

6 ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሐብኣቶም።

7 እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዐቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዚስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ።

8 ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት።

9 ነቶም ሰባት ከኣ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ።

10 እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡

11 እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን።

12-13 ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሐድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከኣ ሀቡኒ።

14 እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሀበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኪ፡ በልዋ።

15 ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም።

16 እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲ፡ ንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሐብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም።

17 እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንነጽህ፡

18 እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረድክና መስኰት አንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም።

19 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን።

20 ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሐልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና።

21 ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ።

22 ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዚምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኸብዎምን ከኣ።

23 እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎ።

24 ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ።