1ይ ሳሙኤል 11

1 ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስ-ጊልዓድ ከበባ። ኵሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽ፡ ክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልና፡ በልዎ።

2 ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኒ ኵልኹም ብምንቋር፡ በዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝአቱ፡ በሎም።

3 እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረና፡ ዜድሕነና ዜልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእ፡ በልዎ።

4 እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።

5 እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይአቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዚበኪ ዘሎ እንታይ ከይኑ እዩ፧ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ።

6 ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስሰምዔ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ።

7 ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፡ ኣብዑሩ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢድ ልኣኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ።

8 ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፡ ይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰኑ።

9 ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎም፡ ንሰብ ያቤስ-ጊልዓድ፡ ጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከአ ተሐጐሱ።

10 እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ፡ ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩና፡ በሉ።

11 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብጊዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር አትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።

12 ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ፡ ዝበለ መን እዩ፡ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎም፡ በለ።

13 ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን፡ በለ።

14 ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሐድሶ፡ በሎ።

15 ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸኣ ሳኦልን ኵሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ።