1ይ ሳሙኤል 13

1 ሳኦል ሓደ ዓመት ነገሰ። ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ነገሰ ድማ፡

2 ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሐረየ፡ ክልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ከረን ቤት-ኤልን ነበሩ፡ ሓደ ሽሕ ከኣ ምስ ዮናታን ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።

3 ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባዕ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ድማ፡ እብራውያን ይስምዑ፡ ኢሉ ኣብ ብሃገሩ መለኸት ነፍሔ።

4 ብዘለዉ እስራኤል ከኣ፡ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎም፡ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተፈንፊኑ እዩ፡ ኪብሉ ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል ኪስዕቡ ናብ ጊልጋል ተአከቡ።

5 ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከአ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተአከቡ። ደዪቦም ድማ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኣዌን ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ።

6 እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጕድን ተሐብኡ።

7 ገሊኦም እብራውያን ከኣ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ድማ ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ እናንቀጥቀጡ ሰዐብዎ።

8 ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ።

9 ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ።

10 ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ኪብሎ ኢሉ፡ ኪቕበሎ ወጸ።

11 ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተአከቡ ርኤኹ እሞ፡

12 ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺውርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ።

13 ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዐሺካ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ።

14 ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብአይ ደልዩስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።

15 ሳሙኤል ድማ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ቈጸሮም።

16 ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቲ ምሳታቶም ዘሎ ህዝብን ድማ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ። ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ ሚኽማሽ ሰፈሩ።

17 ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከአ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ዀይኖም ወጹ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊ ብመገዲ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ኣበለ።

18 እቲ ሓደ ኽፍሊ ኸኣ ብመገዲ ቤት-ሖሮን ኣበለ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊውን ብመገዲ እቲ ኣብ ለሰ ጸቦዒም ዚርኢ ዶብ፡ ብሸነኽ በረኻ ኣበለ።

19 ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኵናት ኣይስርሑ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን።

20-21 ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስኤታትን ማሕጼታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኵላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጼኡን ማዕጺዱን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ።

22 ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኵናት ኣይተርኽበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኸበ።

23 ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ።