1ይ ሳሙኤል 20

1 ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ።

2 ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደአ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብአለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎ።

3 ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ።

4 ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ።

5 ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ።

6 ኣቦኻ እንተ ሰአነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ።

7 ደሓን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ።

8 እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ።

9 ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደአ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ።

10 ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደአ፡ መን ይነግረኒ፧ በሎ።

11 ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ በሎ። ክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹ።

12 ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡

13 እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን።

14 ገና ብህይወት እንተ አልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ።

15 እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለአለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ።

16 ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን አተወ።

17 ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ።

18 ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ።

19 ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ።

20 ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ።

21 እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ።

22 ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ።

23 ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ።

24 ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መአዲ ተቐመጠ።

25 ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንስኤ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት።

26 ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን፡

27 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መአዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎ።

28 ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡

29 ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደአ ረኺበስ፡ ምሉቚ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ።

30 ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧

31 ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽአለይ፡ በሎ።

32 ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።

33 ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ፡ ፈለጠ።

34 ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መአዲ ተንስኤ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን።

35 ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ።

36 ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ።

37 እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎ።

38 ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጸ።

39 ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን።

40 ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ።

41 እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ።

42 ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ።

43 ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ አተወ።