1ይ ሳሙኤል 6

1 እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ።

2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ጸዊዖም፡ ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና፡ በሉ።

3 ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፡ ጥራዩ ኣይትስደድዎ፡ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኺፍለጠኩም እዩ፡ በሉ።

4 ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፡ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዅላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቊጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን እዩ።

5 እምበርኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሀብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።

6 ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣሎኹም፧ ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ፧

7 ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዜጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቚረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን።

8 ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ።

9 ርአዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስ ብኸምኡ ደአ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢዱ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ።

10 እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸዉወን።

11 ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳጹንን ምስቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ።

12 እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማነ ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዔን መገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከደ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ከዱ።

13 እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዐጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሓጐሱ።

14 እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ።

15 ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ።

16 እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረአይዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ።

17 እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቅሮን።

18 እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቊጽሪ ዅለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቚሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ ኣሎ።

19 ካብ ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ።

20 እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ኪቐውም ይኽእል፧ ካባናኸ ናብ መን ኪድይብ እዩ፧ በሉ።

21 ነቶም ኣብ ቂርያት-የዓሪም ዚነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶምዎ፡ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉም ልኡኻት ሰደዱሎም።