1ይ ሳሙኤል 26

1 እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መጺኦም፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር በረካ ዘሎ ዅርባ ሓኪላዶ ተሐቢኡ ኣየሎን፧ በልዎ።

2 ሽዑ ሳኦል፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ኣብ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብአይ ምስኡ ሒዙ፡ ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።

3 ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር በረኻ ኣብ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፡ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ በረኻ ኸም ዝመጸ ምስ ረአየ ድማ፡

4 ዳዊት ሰለይቲ ሰዲዱ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጾ፡ ፈለጠ።

5 ዳዊት ከኣ ተንሲኡ፡ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዘላ ቦታ መጸ። ዳዊት ድማ ሳኦልን ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዚድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ረአየ። ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ስረገላታት ደቀሰ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።

6 ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሜሌክ ሄታውያን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ፡ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ።

7 ዳዊትን ኣቢሳይን ከአ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኵናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።

8 ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዅናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ።

9 ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን ኣሎ፧ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ።

10 ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ።

11 ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሂር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ።

12 ዳዊት ከኣ ነቲ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዅሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረአየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሔውን የልቦን።

13 ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሐለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ።

14 ዳዊት ከኣ ነቶም ህዝብን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስንዶ፧ ኢሉ፡ ጸውዔ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰ።

15 ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብአይ ደይኰንካ፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደአ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሐሎኻዮ፧

16 እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሐሎኹምዎ፡ ንስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዅናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኤ።

17 ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ወደይ ዳዊት፡ እዚ ድምጽኻ ድዩ፧ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እወ ጐይታይ ንጉስ፡ ድምጸይ እዩ፡ በለ።

18 ወሲኹ ድማ በለ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ፧ ስለምንታይ ደአ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጎ ዘሎ፧

19 እምበአር ሕጅስ በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ። እቲ ናባይ ዝደረኸካ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ምዑዝ መስዋእቲ ይተዐጠነሉ፡ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ ርስቲ እግዚኣብሄር ክፍሊ ኸይረክብሲ፡ ኪድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ ኢሎም፡ ሎሚ ሰጕጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ።

20 ሕጂ ኸኣ ንቖቓሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚህደን፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቘንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ደመይ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ።

21 ሽዑ ሳኦል፡ ኣነ በዲለ እየ፡ ወደይ ዳዊት፡ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜካ ስለዝኸበረት፡ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ ተመለስ፡ እንሆ፡ ተጸሊለ አዝየ ተጋጌኹ፡ በለ።

22 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እቲ ዅናት ንጉስ እንሆ፡ ካብቶም ኣጕባዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።

23 ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደአ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ።

24 እንሆ ድማ፡ ከምቲ ነፍስኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸአ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትኽበር፡ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ።

25 ሽዑ ሳኦል ንዳዊት፡ ኣታ ወደይ ዳዊት፡ ብሩኽ ኩን። ምግባርሲ ኽትገብር ኢኻ፡ ብርግጽውን ከተስልጦ ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ድማ መገዱ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።