1ይ ሳሙኤል 5

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ካብ ኤብን-ዔዘር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ።

2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ።

3 ኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ስፍራኡ መለስዎ።

4 ንጽብሒቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ። ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ።

5 ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰኑ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዚአትዉ ዅሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም።

6 ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፡ ንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም።

7 እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረአዩ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር፡ በሉ።

8 ልኡኻት ሰዲዶም ከኣ ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ፡ በሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት የልግስ በሉ፡ ስለዚ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግለስዎ።

9 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ኣግለስዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብታ ኸተማ ንኣዝዩ ዓብዪ ዕግርግር ኰነት፡ ንሰብ እታ ኸተማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ወቕዖም፡ ሕበጥ ድማ ወጾም።

10 ሽዑ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ፡ እቶም ዔቅሮናውያን፡ ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኪቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና፡ ኢሎም ጨርሑ።

11 ኢድ ኣምላኽ ከኣ ኣብአ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ ንብዘላ እታ ኸተማውን ፍርሃት ሞት ስለ ዝሓዛ፡ ልኢኾም ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ እዚ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ስደድዎ፡ ናብ ስፍራኡ ኸኣ ይመለስ፡ በሉ።

12 እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፡ ብኽያት እታ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ደየበ።