1ይ ሳሙኤል 17

1 ፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተአከቡ፡ ኣብ ኤፈስ-ዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ።

2 ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ።

3 ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ።

4 ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጋት፡ ሹድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ።

5 ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ።

6 ኣብ ሰለፋቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኵቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ።

7 ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

8 ተንሲኡ ከኣ ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም፧ ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላዉ ሳኦል፧ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ።

9 ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸአለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም።

10 እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም ኣሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ፡ በለ።

11 ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን።

12 ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብአይ ብዓል ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ።

13 እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ።

14 ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ።

15 ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ።

16 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ።

17 እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንግራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ።

18 እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽአለይ፡ በሎ።

19 ሳኦልን ንሳቶምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።

20 ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝአዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ።

21 እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ።

22 ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም።

23 ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ በዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤምውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ።

24 ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረአይዎ ኻብ ቕድሚኡ ሀደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ።

25 እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሲኡ ዘሎ ሰብአይ እዚ ትርእይዎዶ፧ ኣሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐትል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸአ ኪህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ።

26 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧ ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ፧ ኢሉ ተዛረቦም።

27 እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ።

28 ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኵራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ፧ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ንመን ገደፍካየን፧ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ ኣሎኹ፡ በሎ።

29 ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ፧ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ፧ በለ።

30 ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለሱሉ።

31 እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ።

32 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ።

33 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ።

34 ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡

35 ኣነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድፎ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ።

36 ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ከኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

37 ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።

38 ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ።

39 ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተነን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ።

40 በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮ። ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ።

41 እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።

42 እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኵሩ ምስ ረአዮ። ንሱ ቐይሕ መልክዓኛ ዀተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ።

43 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጸንስ ኣነ ኸልቢዶ እየ፧ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ።

44 እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ።

45 ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ።

46 ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።

47 እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።

48 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ። ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ።

49 ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኡ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግምባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ አተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ።

50 በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን።

51 ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፉ ወሲዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረአዩ፡ ሀደሙ።

52 ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትአትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ።

53 ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ።

54 ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።

55 ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረአዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት፡ ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነፍስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ።

56 እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ።

57 ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት።

58 ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ፡ በለ።