1ይ ሳሙኤል 25

1 ሳሙኤል ድማ ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ተአኪቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ።

2 ሓደ ሰብኣይ፡ ተግባሩ ኣብ ቀርሚሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕ፡ ሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ጊዜ ቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ።

3 ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባል፡ ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ። እታ ሰበይቱ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ።

4 ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዔ።

5 ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለአኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ በሎም፡ ናብ ቀርቤሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ፡ ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ በልዎ።

6 ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትካ ሰላም፡ ንዘሎካ ዅሉውን ሰላም።

7 ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለዉኻ ሰሚዔ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ዅሉ ጊዜ ኣየስተሐፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን።

8 ንገላዉኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ኪነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጽእና ኣሎና እሞ፡ እዞም ኣጕባዝ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላዉኻን ንወድኻን ዳዊትን ሀቦም።

9 እቶም ገላዉ ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገርዚ እዚ ዅሉ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፡ ስቕ ከኣ በሉ።

10 ናባል ድማ ነቶም ገላዉ ዳዊት፡ ዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም።

11 እንገኢራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢሉ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧ ኢሉ መለሰሎም።

12 እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱ። መጺኦም ድማ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገርዎ።

13 ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዐጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዐጥቀ። ደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ።

14 ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረካ ንጐይታና ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ሰጐጎም።

15 እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሐፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዅሉ ጊዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።

16 እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኵሉ ጊዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ።

17 ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ተመዲብዎ ኣሎ፡ ስለዚ ርአዪ፡ እትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ።

18 ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራ ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ።

19 ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።

20 ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኸውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኪቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም።

21 ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኵሉ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዘለዎ ዅሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦ፡ ንኸንቱ ጥራይ ሐሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ መለሰለይ።

22 ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዅሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደአ ሐዲገስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም።

23 ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረአየቶ፡ ቀልጢፉ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።

24 ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ።

25 ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለአኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጕባዝ ኣይርኤኽዎምን።

26 ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሐነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፉእ ዚደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ።

27 ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጽ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሀብ።

28 ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፉእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሓሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ።

29 ሰብ እኳ ኺሰጐካን ንነፍስኻ ኺደልን እንተ ተንስኤ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን።

30 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ሓለቓ ኽትከውን ምስ እዘዘካ፡

31 እቲ ንጹህ ደም ምፍሳስን ሕነ ምፍዳይን ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኹንካ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፡ ንገረድካ ዘክረኒ።

32-34 ሽዑ ዳዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፉእ ከይገብረኪ ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኢ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝከልከልክኒ ብርኽቲ ዅኒ፡ በላ።

35 ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስ፡ ርአዪ፡ ዘረባኺ ሰሚዔ፡ ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ፡ በላ።

36 ኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሐጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽቢሒቱ ኽሳዕ ዚበርህ፡ ይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን።

37 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉ፡ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገርቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡

38 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚአክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።

39 ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደት ዝፈረደለይ፡ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉ፡ በለ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ልኢኹ ተዛረባ።

40 እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹና፡ ኢሎም ነገርዋ።

41 ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍኤት፡ እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት።

42 ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፉ ተንስኤት፡ ኣድጊ ድማ ተወጥሔት፡ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደት፡ ሰበይቱ ኸኣ ኰነት።

43 ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳ፡ ክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና።

44 ሳኦል ግና ጓሉ ሚካል፡ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንፋልጢ ወዲ ላይሽ በዓል ጋሊም፡ ሂብዎ ነበረ።